• Days

  • Hours

  • Minutes

  • Seconds

ሕግታት ትራፊክ፡ ትፈልጡ ዶ?

  • Permanent resident (PR) ናይ ምስ ገበን ዘተኣሳስረና (ንኣብነት መስተ ሰቲና ወይ ብርኡይ ሸለልትነት) ሓደጋ ምስ ንፍጽም PR ከምንሕደግ
  • ናይ መኪና ሓደጋ እንተጋጢሙና ኣብ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ን ኢንሹራስና ደዊልና እንተዘይነጊርና ብዙ ጸገማት ከጋጥመና ከምዝኽእል። ብሕጽር ዝበለ ሓደጋ ናይ መኪና ምስ ዘጋጥመና ሽዑ ንሽዑ ደዊልና ንእንሹራንስና ንሓብሮም።
  • ድራቨር ላይሰንስ መኪና ክንዝውር ከለና ምሳና ምስዘይህሉ $250 ክምንቕጻዕ
  • ኣድራሻ ምስቀየርና እንተድኣ ካብ 6 ማዓልቲ ንላዕሊ ከምዝቐየርና Driver License Office ዘይነጊርና $230 ከምንቕጻዕ
  • እንተድኣ ብዘይ ኢንሹራንስ ዘዊርና ሞ ሓደጋ እንተፈጺምና $5000 ከምንቕጻዕ ኣብርሲኡ ላይሰንስና ን 5 ዓመት ኪንጥቀመሉ ከምዘይንኽእል። ብሕጽር ዝበለ ን 5 ዓመት መኪና ክንዝዉር ኣይፍቀደናን
  • ቀይሕ መብራህቲ ምስንጥሕስ $900 ከምንቕጻዕ
  • ድርብ ብጫ ሕንጻጽ (double solid lane) ምስ ንቖርጽ $500 ከምንቕጻዕ
  • ኣብ ማእከል ጽርግያ ከለና ተጠዊና እንተተመሊስና (U turn) $350 ክምንቕጻዕ
  • ካብ ዝፍቀድ ንላዕሊ ፍጥነት ምስንዝውር ክሳብ $450 ክምንቕጻዕ
  • ኣዚና ዚሒልና ምስንዝዉር $399 ከምቕጻዕ
  • ናይ ተማሃሮ ኣውቶቡስ (school bus) ጠጠው ኢላ ቀይሕ መብራህቲ ብልጭ ብልጭ እንዳበለት ብቕድሚት ይኹን ብድሕሪት ሓሊፍናያ $885 ከምንቕጻዕ
  • መኪና እንዳዘወርና ሞቢኣይል /ሴል ፎን ኣብ ኢድና እንተሒዝና ወይ እንተተጠቑምና $1000 ክምንቕጻዕ ኣብርእሲ ዚ ላይሰንስና ን 3 ዓመት ክምንሕደግ
  • ኣብ ባስ ጠጠው ትብለሉ መኪናና ጠጠው ምስ ንብል $900 ክምንቕጻዕ
  • መብራህቲ ምስመሰየ ከይወላዕና እንተዘዊርና $200 ከምንቕጻዕ
  • ናይ ማዕጾና ቤትሮ ብዘየርኢ ነገር ምሽፋን $199 ከምንቕጻዕ
  • ኣብ መኪና ተሰቒልና እንዳኸድና ከለና ማዕጥቖ (seat belt) ዘይምጥቃም $200 ከምንቕጻዕ
  • ቆልዑ ኣብ መኪና ሰቒልና ብጉቡእ እንተዘይ ተኣሲሮም $599 ክምንቕጻዕ0lo
  • እንዳዘወርና ከለና 2 የእዛና ዝዓጹ ወይ ዝሽፍን ነገር እንተጌርና $189 ከምንoooooቕጻዕ
  • ብዘየኣገባብ ኣብ መንገዲ መኪና ጠጠው ኣቢልካ ሰብ ምጽዓን $505 ከምንቕጻዕ

Leave A Comment

©2024 Wordpress All Rights Reserved. Designed by