-
Days
-
Hours
-
Minutes
-
Seconds

- Uncategorized
ማሕበረ ኮም (ኮሚኒቲ) እንታይ ማለት ዩ
ኮም (ኮሚኒቲ) ን ኣብ ሓደ ከባቢ ዝቕመጡ ሰባት ብናይ ሓባር ጸገምን ጽቡቕ ኩነታትን ዝጽለዉ ዝገልጽ ቃል ዩ።ጥርኑፍ ማሕበረኮም ሽግራት ኣብ ሓደ ከባቢ ዘለዉ ንምፍታሕ ዓቢ ተራ ክጻወት ይኽእል እዩ። ኣብ ጽቡቕን ሒማቕን ክካየድ ዘለዎ ንጥፈታት ኣድማዒ ስራሕ ናይ ምስራሕ ብቕዓት ኣለዎ። ብፍላይ ን ጸገማት ብዝምልከት፡ ኣድማዒ መፍትሒ ክርከበሉ ዝኽእል ብጥርኑፍን ብእኩብን ምስ ትገጥሞ ጥራሕ እዩ።
ኣብዚ ከባቢ ንነብር ኤርትራዊያን ብዙሕ ናይ ሓባር ጸገማት/ ብድሆታት ኣሎና።
1. መነባብሮና ክነማሕሸሉ ንኽእል ስራሕ ናይ ምርካብ
2. ርግኣትን ቅሳነትን ዘልዋ ስድራ ቤት ናይ ምህናጽ- ሰባይን ሰበይትን ከም ሓደ ኣካል ኮይኖም ሓዳሮም ብናይ ምክብባርን ምትሕልላይን መንፈስ ክመርሑሉ ዝኽእሉ ንቕሓት ናይ ምጥራይ
3. ደቅና ብመንነቶም ዝኾርዑ ርእሰ ምትእምማን ዘለዎም ኮይኖም ክዓብዩሉ ዝኽእሉ ኩነታት ናይ ምፍጣር
4. ደቅና ከምቲ ንምነዮ ብሰነ ምግባርን ትምህርትን ትሃኒጾም ተዋዳደርትን ዕዉታትን ክኾኑሉ ዝኽእሉ ኩነታት ናይ ምፍጣር
5. መንነትናን ባህልናን ህይማኖታዊ ኣምነትናን ዓቂብና ንደቅና ናይ ምውራስ
6. ናብ ገዛእ ርእስና ወይ ናብ ቤተሰብና ወይ ክኣ ናብ ካልኦት ኤርትራዊያን ዘጋጥም ማሕበራዊ ጸገማት ናይ ምፍታሕ
7. ዓሊታዊ ኣድልዎን፣ ባህላዊ ፍሉዩንትናን ተነጽሎን ዝስዕቦ ስነኣእሙራዊ ጸቕጥን ጭንቀትን ብዝበለጸ ኣኽእሎ ናይ ምምካት.. . ወዘተ ዘጠቓልል እዩ።
ዋላ ኳ እቲ ዉልቃዊን ስድራቢታዊን መንፍዓትና ጸገማትና ንምፍታሕን ዓወት ኣብ ምምዝጋብን ዓቢ ተራ እንተለዎ፡ ብናይ ሓባር ጻዕሪ ጥራሕ ክምከቱ ዘለዎም ጸገማትን ብድሆታትን ከምዘልዉ ግን ክዝንጋዕ የብሉን። ነዚ ናይ ሓባር ጸገማትን ብድሆታትን መኪትና ዕዉታት ንምዃን ዝሕግዘና ቀንዲ ረቛሒታት ጥርናፈን ተጠርኒፍካ ቅልጡፍ ዝኾነ ጠቓሚ ሓበሪረታታት ምልዉዋጥን ንዘጋጥሙን ክምጹ ዝኽእሉን ጸገማት ኢህን ሚህን ኢልካ / ዘቲኻ ንጸገማትካ መፍትሒ ምድላይን እዩ። እዚ ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብዚ ከባቢ ዘሎ ኳ ዝስማማዓሉ ሓሳብ እንተኾነ፡ ኣብ ምትግባሩ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተገብረ ጻዕርታት ተጠርኒፍካ ናይ ምስራሕ ተሳታፍነት ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን።
ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ፡ ብዙሓት ዓንቀፍቲ ረቛሒታት ከም ከምዘለዉ ርዱእ እዩ። ነዞም ዓንቀፍቲ ረቛሒታት ኣጽኒዕካን ኣለሊኻን ናይ ምእልይ ጻዕሪ ምክያድ ከድሊ እዩ። ከምዚ ንምግባር ግን ኩልና ኤርትራዊያን ብዛዕባ እተን ዓንቀፍቲ ዝብሃላ ጉዳያት ራኢቶ ብምቕራብ ዘቲና መፍትሒ ክንገብረለን ይግባእ። ዕላማን ቅዋምን ወሽጣዊ ዓንድ ሕጊን ማሕበረ ኮምና ንጹር እዩ። ኣብዚ ዘይበርሀ ወይ ክኣ ክምሓየሽ ዘለዎ ነገር እንተልዩ ክዝተየሉ ይኽእል እዩ።
ሓንቲ ንሰባት ኣደናጋሪት ዝኾንት ወረ ትንዛሕ፣ ኮሚኒቲ ፖልቲካ ኣለዎ ትብል እያ። እንታይ ማለት እዩ እዚ? ናይ ኤርትራ ኮሚኒቲ ስለዝተባህለ ድዩ? ብዓል ናጽነት፣ ማዓልቲ ሰማእታት፣ ምስቃል ባንዴራ ናብ ንቕመጠሉ ከተማ ስለዝተገብረ ድዩ? ምስ ኣብ ካናዳ ዝርከቡ ወከልቲ ኤርትራ ነዚ ኣብዚ ዝነብር ኤርትራዊ ንኽጥዕሞን ስሉጥ ኣገልግሎት ንኽረክብን ማሕበረ ኮምና ናይ ስርሕ ርክብ ስለ ዘለዎ ዲዩ? እዚ መብዝሕትኡ ኤርትራዊ እየ ዝብል ብዘይጥርጥር ዝኣምናሉን ዝድግፎን እዩ። ነዚ ብፍላጥ ዪኹን ብዘይፍላጥ ክኸውን የብሉን ዝብል ውልቀ ሰብ ዪኹን ጉጅለ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ዘለዎ ን ኣብዚ ከባቢ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ሓድነቶም ድኹም ብመንነቶም ዘይኮርዑ ርእሰ ምትእምማን ዘይብሎም፣ ዝተድናገሩ ኮይኖም ፋሕፋሕ ኢሎም ኣብመወዳእታ ኽኣ ውዱቓት ኮይኖም ብቐሊሉ ግዳያት ናይ ዘይጥርኑፍነቶም ንኽኾኑ ኣብ ምግባር ኣበርክቶ ጌሮም ኣለዉ ማለት እዩ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ካናዳ ንባዕላ ባህላዊ ብዙሑንት (multiculturalism) ተታባብዕን ትኣምንን ሃገር ስለዝኾነት ነዚ መሰል እዚ ተጠቒምና ኢና መንነትናን ባህልናን ዓቂብና፣ ኣብ መነባብሮናን ማሕበራዊ ሂወትናን ዕዉታትን ተዋዳደርትን ክንከዉን ምእንቲ ኮሚኒቲ ዘድልየና። ምኽንያቱ ኣብ ካናዳ ዘሎ ኩነታት እንተትዕዚብና እተን ሓያል ኮሚንቲ ዘለወን እየን ዝኽበራን ዑታትን።
መብዛሕትኡ ኣብ ላዕሊ ዝተላዕለ ሕቶታት ኣኳ ንኹሉም ብመንነቶም ዝኾርዑ ኤርትራዊያን ብሩህ እዩ። መብርሂ ዘድልያ ሕቶ እንተልያ እታ ማሕበረ ኮምና ምስ ኣብ ካናዳ ዘለዉ ናይ ኤርትራ ወከልቲ ናይ ስራሕ ርክብ ወይ ዝምድና ስለ ዘሎና ድዩ? ትብል እያ። ኣብ ዚ ብንጹር ክበርህ ዘለዎ ማሕበረ ኮምና ኣብ ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ጉዳይ ጸግዒ ኣይወስድን እዩ። ማለት ንሓደ ደጊፉ ንሓዳ ኣይኩንንን እዩ። ን ኣብነት ንፖሊሲትታት መንግስቲ ኤርትራ ዘድግፍ ሰብን ዘይድግፍ ሰብን ማሕበረኮምና ብማዕረ እዩ ዝርእዮም ፖለቲካዊ እምነቶም ኣብቲ ነናቶም ፖለቲኣካዊ መድረኽ ከይዶም ክዝትዩሉን ክምድሩሉን ምሉእ መሰል ከምዘልዎም ክኣ ይኣምን።
ኣብ ዚ ዓዲ መምጺኣኢና መነባብሮና ኣማሓይሽና ንደቅና ኽኣ ካባና ዝሓሸ ዕድላትን መነባብሮን ንምፍጣር እዩ። ስለዚ ቅድም ቅዳድም መነባብሮና ኣብ ዚ ከነማሓይሸሉ እንኽእለሉ ኩነታት ክንፈጥር ይግባእ። ሓደ ሰብ መጀመርያ ነብሱ ብኹሉ ዓቕሙ ዘፍቅዶ መዳያት ክሃንጻ ይግባእ። ከምዚ ምስዝገብር ክኣ ኪኖ ነብሱ ብምኻድ ሓዳር እንተለዎ ሓዳሩ ምህናጽን ዕዉቲ ስድራቤት ንምህናጽ ይቃልስ። ድሕሪ ዚ ክመጽእ ዝኽእል ቤተሰብን ኣብ ከባቢኡ ዝነብር ብተማሳሳሊ ረብሓ ዝታኣሳሰር ክሚኒቲኡ ክሃንጽ ይግባእ። ካብዚ ንዕሊ ከበርክት ብቕዓት እንተሊዩዎ ንሃገሩን ህዝቡን ዝጠቅም ነገራት የበርክት። ስለዚ ንኹሉ ብቐዳምነታት ክንሰርዖ ይግባእ። ኮሚኒቲ ኣብዚ ዓዲ ዘሎ ሓያል እነትኮይኑ ቀዳማይ ተጥቃሚ እዚ ናብዚ ከባቢ ዝነብር ኤርትራዊ ከምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ። ናይ ፖሊቲካ እዩ እንዳበልካ ዝግበር ጸለመ ጠጠዉ ክብል ኣለዎ። ኩሉ ኣብ ዚ ከባቢ ዝነብር ኤርትራዊ ነዚ ወረ ዚ ከፍሽሎ መታን ንቕሓት ከጥሪ ይግባእ። ብዓይኒ ሓቂ ክረአ ክሎ፣ እቶም ን ኮሚኒቲ ናይ ፖለቲካ ኮሚኒቲ እዩ ዝብሉ ሰባት ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ እሳቶም እዮም ህዝቢ ተጥርኒፉ ንረብሕኡ ከይሰርሕ መዳኸሚን ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዝዝርግሑ ዘለዉ። ስለዝኾነ ኩልና ጽቡቕ ናይ ዚ ኣብ ዚ ከባቢ ዝነብር ኤርትራዊን ጽቡ ናህናን ንምነ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ነጺግና፡ ብሙሉእ ልብና ንጥርናፈን ምሕያልን ኮሚኒቲና ንስራሓሉ።
Leave A Comment Cancel reply
Log in to Deeds2?
Already A Member?
Already A Member?
Log in to Deeds2?
Log in to Deeds2?
Already A Member?
Already A Member?
Quick Message
Contact Information
We warmly welcome all Eritrean Canadians, newcomers, and community allies to join us in celebrating who we are and what we can achieve—together.
Email: eccgw1991@gmail.com
Based in: Guelph Wellington County, Ontario, Canada