-
Days
-
Hours
-
Minutes
-
Seconds

- Uncategorized
ዕዉት ሓዳር ንኽህሉወና ክንክተሎ ዘሎና ሜላ
1. ቅልጡፍን ምብህሃል (communication) ክህሉ ኣለዎ
2. ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ከም ግድን ወሲድና ከነተግብሮ ኣሎና
3. ኣብ ማዓልታዊ ንጥፈታት ንሓዳርና ብዝምልከት ጉዳያት ግሉጽነት ምዝውታር
4. ንገንዘብ ብዝምልከት ናይ ሓባር ባንክ ኣካውንት ጌርካ ናብራኻ ምክያድ
5. ዝኾነ ዝወጽእን ዝኣቱን ገንዘብ ንምንታይን ካብ ምንታይን ይወጽእን ይኣቱን ከምዘሉ ክሊቲኦም መጻምድቲ ክፈልጥዎ ከም ግድነት ተረዲኦም ከዘውትርዎ ይግባእ
6. ሓዳር እንተጌርካ ናተይ ናትካ ዝብሃል ክህሉ የብሉን።
7. ኣደ ኣብ ግዜ ጥንስን ሕርስን ቆልዑ ምእላይን ኣብ ዘላትሉ ኣቦ ብኹሉ መዳይ ማለት ብሞራልን ናይ ገዛ ስራሕን ቆልዓ ምእላይን ብዘይ ተግላባነት ክሕግዝ ይግባእ፣ ኣብ ዚ ጊዜ ዚ ኣታዊ ግንዘብ ብወገን ኣቦ ጥራሕ ምስዝኸዉን፣ ኣቦ ኣነ እንድየ ገንዘብ ዘእቱ ዘልኹ ኢሉ ናይ ገባርን ሓዳግን ስምዒት ከሕድር ኣይግባእን። እቲ ናይ ኣደ ዕማም ኣዝዩ ክቡር ክምዃኑ እምበሺ ኣደ ዝያዳ እንተዘይኮኑ ማዕረ ኣብ ቲ ስድራ ኣበርክቶ ከምዘለዋ ኣቦ ክኣምን ኣለዎ።
8. ብሕማም ወይ ስንክልና ምኽንያት ሓደ ካብ መጽምድቲ ናይ ኣታዊ ኣበርክቶኡ/ኣ ድሩት ምስ ዝኸዉን ወይ ጠጠው ምስዝብል፡ እቲ/ታ ሓደ ወገን ናይ ዓብላሊ ስምዒት ከሕድር ኣይግባእን።
9. ኣተኣላልያ ቆልዑ ብዝምልከት (ተካእትና ስለዝኾኑ ኩሉ ንገብሮ ንጥፈታት ንዕኦም ዘማእከለ ክኸዉን ኣለዎ) ምኽንያት ገንዘብን ንብረትን ኣጥሪና ነዚ ተቕቢሎም ብግቡእ ክጥቀሙሉ ብቕዓት ዘይብሎም ምስዝኹኑ ዝጸዓርናዮ ትርጉም ዘይብሉ ኮይኑ ክተርፍ ይኽእል እዩ
9.1 ደቅና ከምቲ ንምነዮ ኮይኖም ክዓብዩልና፡ ህጻናት ከለዉ (ክሳብ ትምህርቲ ዝጅምሩ) ብኸመይ ክንሕዞም ይግባእ፣ ትምህርቲ ምስጀመሩ ክሳብ 12 ዝኸዉን ዕድሜኦም ክህልወና ዘለዎ ኣታሓሓዛ፣ ካብ 13 ክሳም 18 ዓመት ክህልወና ዘለዎ ኣተሓህዛ
9.2 ንደቅና ከም ኩነታትና ኣቦን ኣደን ብሙሉእ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ ክንኣልዩዎም ይግባእ። ህጽናት ምእላይ ከም ናብ ኣደ ጥራሕ ክግደፍ ዘለዎ ዕማም ጌርካ ምሕሳብ ኣብ ዚ ነንብረሉ ዓዲ ከምዘይሰርሕ ክርዳኣና ኣሎአዎ። ምትሕላላይን ምትሕግጋዝን ብቐጻሊ ምዝውታር ኣብ ሓዳርና ርግእትን ስኒትን ስለዝፈጥረልና ሕጉስ ሂወት ንኽእልወና ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ
9.3 ትምህርቲ ዝጀመሩ ድቅና ኣቦን ኣደን ብቐጻሊ ክንከታተሎም ይግባእ። ቅጻሊ ማዕዳ ክንግበረሎም ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥሞም ጸገማት ንምፍላጥ ብቐጻሊ ከነዕልሎምን ክንሓቶምን ኣገዳሲ እዩ። ምስ ደቅና ናይ ማሓዙት / የዕሩኽቲ ዝምድና ከነጥሪ ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ዕድል እዚ ግን ክሳብ 12 ዘሎ ዕድመ እንተዝይተጥቒምናሉ ብድሕሪኡ እቲ ዕድል ጸቢብ እዩ።
Leave A Comment Cancel reply
Log in to Deeds2?
Already A Member?
Log in to Deeds2?
Already A Member?
Already A Member?
Log in to Deeds2?
Already A Member?
Quick Message
Contact Information
We warmly welcome all Eritrean Canadians, newcomers, and community allies to join us in celebrating who we are and what we can achieve—together.
Email: eccgw1991@gmail.com
Based in: Guelph Wellington County, Ontario, Canada