-
Days
-
Hours
-
Minutes
-
Seconds

- Uncategorized
ገንዘብናን ንብረትናን ከይንስረቕ ብኸመይ ክንካላኸል ንኽእል፡
መብዘሕትና ኳ ንካታተሎን ንሰምዖን ዘሎና ጉዳይ እንተኾነ፡ ኣብ ዚ እዋን ዚ ገኒኑ ዘሎ ናይ ስርቂ ሜላታት ብዙሕ እዩ። ክንጥንቀቕ ክኣ ኣገዳሲ እዩ።
1. ኣብ ዚ እዋን እዚ ከም ትካላት መንግስቲ ካናዳ ኮይኖም ብናታተን ስም ተጠቒሞም ግንዘብ ትእወዱ ስለኹም ቀልጢፍኩም ኣብ ባንክ ኬድኩም እንተዝይ ከፊልኩሞ ፖሊስ መጺኦም ካስሩኹም እዮም ዝብል መልእኽቲ ሓሶትን ንምስራቕን ስለዝኾነ ዘረብኦም ከምዘይሰማዕናዮ ንዕጸዎም። እንድሕሪ ተሰኪፍና ክኣ ናብ ኮሚኒቲ ወይ ዝያዳ ኣፍልጦ ወይ ተሞኩሮ ኣለዎም ንብሎም ሰባት ወይ ክኣ ፖሊስ ሓቲትና ነጻርዮ
2. ኣብ ዚ እዋን ዚ ሰረቕቲ ሰባት ኣታሊልካ ገንዘብ ምዝማት ብጣዕሚ መኽሰብ ከምዝርከቦ ፈሊጦም ስለዘለዉ ብዙሕ ናይ ምስራቕ ምህዞታት ይገብሩ ኣለው። ንዕታቶም ነዚ ንኽገብሩ ዝሕግዞም ቀንዲ ሙሉእ ሓቤሬታ መንነት ናይቶም ዝስርቑ ድሕሪ ምእካብ መንነቶም ሰሪቖም ከምቲ ዝስረቕ ዘሎ ስብ መሲሎም ብእካል ይኹን ብማዕዶ ኣብ ባንክታት ቀሪቦም ገንዘብ ናይ ዉልቀ ሰባት ዪኹን ትካላት መንግስትን ብሕታዊን ይሰርቁ ኣለዉ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ ሓደ መንግስታዊ ትካል ኣብ ሳስካቱን ካናዳ 1 ሚሊዮን ተሰሪቑ፣ ኣብ ኣልበርታ 1 ጥሮተኛ ጠበቓ 800 ሽሕ ተሰሪቑ፣ ኣብ ክችነር ሓንቲ ኤርትራዊት ብመሳርሕታ ኢትዮጵያዊት 25 ሽሕ ተሰሪቓ። እዚ ብዙሕ ካልእ ከምዚ ከምዘሎ ፍሉጥ ዩ። ካብ ከምዚ ዓይነት ስርቅታት ክንድሕን እንተኼና ክገብሮ ዝግባኣና ጥንቃቐ ከምዚ ዝስዕብ ዩ፡
• ብዛዕባ መንንትና ዝምልከት ሓበሬታ ብጥንቃቐ ምሓዝ። እዚ ማለት ሶሻል እንሹራንስ ቁጽርና በጀካ መንግስታዊ ትካላትን ፍሉጣት ኣስራሕትን ካልእ ሰብ ክፈልጦ የብሉን፣ ናይ ባንክ ሕሳብና ይኹን ባንክ ኮድና ዝኾነ ሰብ ክፈልጦ የብሉን፣ ዝኾነ ኮድ ወይ ፓስዎርድ፡ ምስ ስምና፣ ቁጽሪ ቴለፎና፣ ሶሻልኢንሹራንስ ቁጽርና ወይ ኣድራሻና። ክትሓሓዝ የብሉን ምኽንያቱ ሰረቕቲ ነዚ ሓበሬታ ዚ እንተረኺቦም ብቐሊሉ ኮድና ወይ ፓስወርድና ክረኽቡዎ ስለዝኽእሉ።
• ኩሉ ጊዜ ናይ ባንክ ካርድና (client card) ክንጥቀም ከለና ብኡ ዝግበር ንጥፈታት ብቐጻሊ ክንርእዮ ክንክእል ኣሎና፣ ባዕልና ካብ ባንክ ማሽን ዪኹን ምስ ሰራሕተኛ ባንክ ኬና ገንዘብ ምውጻእ ዪኹን ካልእ ነገር ክንገብር ከለና ኮድና (ቁጽርና) ሰብ ከይሪኤና ወይ ብ ካሜራ መታን ከይቅዳሕ ብጸጋማይ ኢድና ሸፊና ነእትዎ፣ ንዝኾነ ባንክ ኮድና (ቁጽርና) ኣይነርኢ፡ ንኣብነት ንሰራሕተኛ ባንክ፣ ንየዕሩኽትና / ማሓዙትና፣ ንፖሊስ፣ ንቤተሰብ ወዘተ ማለት ዩ። እንተ ድኣ ሰብ ናይ ባንክ ኮድና (ቁጽርና) ፈሊጡዎ ሎ ኢልና ገሚትና ተቓላጢፍና ኣብ ባንክ ኬድና ክንቅዪሮ ኣሎና። ባንክ ካርድና እንተዘይ ሰሪሑ ካልእ ሓድሽ ካብ ባንክ ክዉሃበና ይኽእል እዩ። ካልእ ኩሉ ጊዜ ካብ ባንክ ሕሳብና እንታይ ዪወጽእ እንታይ ዪኣቱ ክንካታተሎ ኣሎና፣ ባንክ ወርሓዊ ስቴትመንት ክመጸና ከሎን ገንዘብ ከነዉጽእ ከለናን ገንዘብና ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ ኣተኪርና ብዓይኒ ጥርጠራ ኪንርእዮ ኣሎና። እንተድኣ ባዕልና ኣየውጻእንዮን እዚ ወጻኢ ዚ ኢልና ተጠራጢርና ንባንክና መብርሂ ክህቡና ክንሓቶም ንኽእል ኢና። እዚ እንከላይ ንቪዛን ክረዲት ላይንን ዘጠቓልል እዩ።
• ገንዘብ ንሰባት ምልቓሕ ዓቕሚ እንተለካ ኳ ጽቡቕ እንተኾነ፡ መን ዩ ብዘየገድስ ስዕቤኑ ተረዲእና ክንገብሮ ኣሎና። እንተ ድኣ ከነለቅሕ ወሲና ጽሑፍ ኣዳሊና ፌርማ ተለቃሓይን መሰኻኽርን ዝተነብረሉ ዶኩመንት ክንሕዝ ኣሎና። ናይ ዚ ዓዲ ባህርያትን ኣሰራርሓን ንገንዘብ ዝምልከት ግን ኩሉ ምስ ባንክ ዝተኣሳሰረ እዩ። ማለት ሰባት ክንዲ ንኻልእ ሰብ ኣለቃሓኒ ዝብሉ ንባንክ ኣለቅሕና ክብሉ እዩ ዝግባእ ዝክኣል እንተኾይኑ እሱ እዩ ኣቲ ዝበለጸ መንገዲ።
Leave A Comment Cancel reply
Log in to Deeds2?
Already A Member?
Already A Member?
Already A Member?
Log in to Deeds2?
Already A Member?
Log in to Deeds2?
Already A Member?
Already A Member?
Quick Message
Contact Information
We warmly welcome all Eritrean Canadians, newcomers, and community allies to join us in celebrating who we are and what we can achieve—together.
Email: eccgw1991@gmail.com
Based in: Guelph Wellington County, Ontario, Canada